Sunday , June 16 2024
(AP Photo/Fernando Llano) XFLL302

ሃድን ቶኽላ: ኣብቂዑ

ድሕሪ 6 መዓልታት ቶኽላ ናይ ምህዳን ፍቓድ፡ ካብቶም ዝተመደቡ 27 ተዃሉ እቶም 17 ከም ዝተሃድኑን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዉን ኣብ ከባቢ ስኖሾን ወይ ሃራልድሾን: ዳላርና፡ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሓደ ቶኽላ ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ፡፡ እዚ ማለት ከኣ ኣብ`ቲ ምምሕዳር ከተማ ኩሎም ንሃድን ተመዲቦም ዝነበሩ 12 እንስሳታት ስለ ዝወደቑ እቲ ሃድን ኣብቲ ዞባ ጠጠው ከም ዝብል ኮይኑ`ሎ ክብል ስቨንስክ ያክት ጸብጺቡ::

ይኩን ደኣምበር ኣብቲ ከባቢ ገና ብዙሓት ተዃሉ ከም ዘለውን ድሕሪ ሃድን ዉን ከይጸንሐ ዉን ናይ ሓደሽቲ ጽምድታት ምልክታት ኣብቲ ዞባ ከም ልሙድ ከምዝረአን፡ ናይታ ሃገር ናይ ተፈጥሮ ሓለዋ ምምሕዳር ቦርድ ዝኾነ ፍረድሪክ ተሮልስ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ፡፡

ናይ `ዚ ዓመት `ዚ ቶኽላ ናይ ምህዳን ፍቓድ ዝተጀመረሉ ዕለት 2 ጥሪ ክኸውን እንከሎ ፡ ብጠቕላላ 27 ተዃሉ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ዞባታት ማለት ኣብ ያቭለቦሪ፡ ቫርምላንድ፡ ቨስትማንላንድ ከምኡ ውን ኣብ ኦሮብሩ ንኽህደኑ ተመዲቡ ከምዝነበረ ተፈሊጡ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com