Saturday , July 13 2024

ሃገረ ሊባኖስ፡ ሓድሽ መንግስቲ እንተ ዘይረኺባ፡ ከም መርከብ ታይታኒክ፡ ክትጥሕል እያ

ሊባኖስ፡ ሓድሽ መንግስቲ እንተዘይረኺባ፡ ከም ታይታኒክ ክትጥሕል እያ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ሊባኖስ ኣጠንቂቑ።

መላእ ሃገር፡ ኣብ ዓብይ ሽግር ኣትያ’ላ፥ እዛ መርከብ እንተጥሒላ ክድሕን ዝኽእል የለን ክብል ኣፈኛ ባይቶ፡ ነቢ በሪ፡ ገሊጹ’ሎ። ሊባኖስ፡ ብዘይ መንግስቲ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጌራ ምህላዋ ኣላ። ዝሓለፈ መንግስቲ፡ ኣብ ቤይሩት ድሕሪ ዘጋጠመ ዓብዪ ነትጒ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ቅልውላው ብዘስዓቦ ቊጠባዊ ውድቀት፡ ፍርቂ ካብቲ ህዝቢ፡ ኣብ ከቢድ ድኽነት ኣትዩ ምህላዉን ፖለቲካዊ ኤሊት እታ ሃገር ብብልሽውናን ሸለልትነትን ንክኽሰሱ ጻውዒታት ክግበር ምጽንሑን ጸብጻባት የመልክቱ።

ሚስተር በሪ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝኸፈቶ ኣኼባ ባይቶ፡ እታ ሃገር ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ጸላም ወጺኣ ንኽልተ ኣዋርሕ መብራህቲ ክትረክብ ናይ ህጹጽ እዋን 200 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልያ ሓቢሩ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ብሰንበት ኣርባዕተ ቀንዲ ትካላት እታ ሃገር ብሰንኪ ስእነት ጋዝ ስርሐን ደው ምባለን ገሊጸን ኣለዋ። ሓደ ካብ ጠንቂታት እዚ ሽግር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምዕጻው መትረብ ስዌዝ ምዃኑ ኲባንያ EDL ሓቢራ’ላ።

ብዘይ ሓድሽ መንግስቲ፡ ባይቶ ሊባኖስ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝሕተቶ ዘሎ ኣድለይቲ ጽገናታት ክገብር ከም ዘሸግሮ ተገሊጹ’ሎ። ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ፖለቲከኛታት ሓድሽ ካቢነ ክቐውም ኣብ ዝብል ክትዓት እናካየዱ ቅልውላው እታ ሃገር መመሊሱ ክዓርግ ምጽንሑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com