Breaking News
Yesh Atid party leader Yair Lapid speaks to journalists at the Knesset, Israel's Parliament (AP Photo/Maya Alleruzzo, Pool) XMA102

ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከም ተዓዛቢት ኮይና

እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተዓዛቢት ኮይና እትሳተፈሉ ቦታ ከም ዝረኸበት፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል፡ ያይር ላፒድ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ርክባት እስራኤል-ኣፍሪቃ እንጽምብለሉ ዕለት እዩ ክብል ተዛሪቡ። ንሱ፡ እዚ ዕድል እስራኤል ምስ ደገ ንዘለዋ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ዓብዪ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ውጽኢት ናይቲ ብሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃዊ ትካላትን ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ኤምባሲታት እስራኤልን ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት እዩ ኢሉ።