Friday , July 12 2024

ሃገረ ጣልያን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ምሉእ መስርሕ ዕጽዋ ክተካይድ ትውስን

ሃገረ ጣልያን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ምሉእ መስርሕ ዕጽዋ ክተካይድ ምውሳና፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ብምጥቃስ፡ ተተ ሓቢሩ።

ካብ ዕለት 03 ክሳብ 05 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኩሎም ኢጣልያውያን ካብ ገዝኦም ናብ ስራሕ ወይ ድማ ናብ ማእከላት ጥዕና ጥራይ ክንቀሳቐሱ ክኽእሉ እዮም። ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሎም ትካላት ንግዲ ውን ኣብቲ እዋን ዕጽዋት ክኾኑ እዩም።

ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ፡ እተን ብብጫ ሕብሪ ምልክት ተገይሩለን ዘሎ ከባቢታት፡ ማለት፡ ውሑድ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ዘለወን ከባቢታት ከይተረፋ ውን በዚ ሕጊ ክቕየዳ ምዃነን ተሓቢሩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ደው ክብልን ቤት ምግብታትን ባራትን ውን ዕጹው ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ እናዛየደ ምኻዱን ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ቁጽሪ ሰባት ድማ እናወሰኸ ከምዝኸደን ብድምር ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር፡ 3.1 ሚልዮን ሰባት ብኮሮና ከምዝተለኽፉን ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሂወቶም ከምዝሰኣኑን ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ ተላባዕቲ ሕማማት (ECDC) ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com