Friday , July 12 2024

ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ከፍርያ ይሰማማዓ

ዓዲ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳይን ጀርመንን፡ ንሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ኣብ ሃገረን ንኸፍርየኦ ስምምዕ ከምዝኸተማ ካብ ሩስያዊ ቤት ጽሕፈት ወፍሪ (RDIF)፡ ኪሪል ዲሚትሪየቭ (Kirill Dmitriyev)፡ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።  

ሩስያዊ ክታበት ስፑትኒክ ቪ፡ ክሳብ ሕጂ ብኤውሮፓዊ ሕብረት ተፈላጥነት እዃ እንተ ዘይረኸበ፡ ነዚ ክታበት ዝምልከት መስርሕ መጽናዕቲ ንኽካየድ ግን ብኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ተበግሶ ተገይሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com