Saturday , June 3 2023

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ብዓወት ይጅምራ!!

ትማሊ ምሸት ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2019፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውርርር ፈላሚ ጸወታ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ቺለ 2 ብ 0 ብምዕዋት ውድድረን ፈሊመን።

ኣብዚ ኣብ መበል 73 ብሰንኺ ሓያል ዝናብ ዝተቓረጸ ውድድር ን ሙሉእ ጸወታ ዓብላልነት ተጻወቲ ሸወደን እካ  እንተነበረ ሓሓሊፈን ሓደገኛ ፈተነታታት ክገብራ እምበር ሸቶ ክረኽባ ኣይከኣላን። ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ ኣብ መበል 83 ደቒቕ ካብ ኣስላኒውን ከምእውን ኣብ መበል 90 ደቒቕ ድማ ብልጽቲ ሸቶ ካብ መደለን ብምርካብ ንውድድረን  ብ ዓወት ጀሚራቶ።

ሽወደን ኣብ ምድብ 8 ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካን ታይላንድ ጸወታ ይጽበያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com