Wednesday , August 17 2022
bbc

ህዝብታትን ባህልታቶምን

ህዝቢ ጫድ ካብ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝቘመ፡ ልዕሊ 100 ቋንቋታት ዝዛረብ
ህዝቢ’ዩ።
መርዓ ሕብረተ-ሰብ ጫድ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘለዎ ኰይኑ፡ ዝበዝሐ እዋን ግን
ብሰንኪ ክብሪ ገዝሚ ብፍታው እንዳ ጓል ኣብ ምዝራፍ ዝተመስረተ ኰይኑ
ንረኽቦ።
እንዳ-ጓል ካብ “ከይብሉናን ካብ መን ሓሚቕናን” ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ
ንኣዋልድ ደቆም ልዑል መጠነ ገዝሚ ስለ ዝሓቱ፡ ዕደመ መርዓ ዝሓለፈን ጐራዙ
ጫድ ኣደዳ’ዚ ድሑር ባህሊ ብምዃነን፡ እንዳ-ጓል ምስ እንዳ-ወዲ ብሕቡእ
ብምምኻር፡ መርዓውን ኣዕሩኽቱን ተሓቢኦም ንጓሎም ከም ዝዝርፉዋ
ይገብሩ። ልምዲ “ምዝራፍ መርዓት” ኣብ ጫድ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት
ዝጀመረ ኣገባብ መርዓ’ዩ። እዚ ልምዲ ግን፡ ትሕቲ 17 ዓመት ንዝዕድሚአን
ጐራዙ ኣይምልከትን’ዩ።
እታ ዝተዘረፈት ጐርዞ ናብ እንዳ ወዲ ምስ ተወሰደት፡ ከይትሃደም ንሓደ ሰሙን
ብጽኑዕ እናተሓለወት፡ ኣሞታት ዘራፊኣ ንመርዓ የዳልዋኣ።
ኣብ ሰሙና “ሞስኮራ” ወይ ከኣ፡ ዳስ ዓወት ዝበሃል መርዓ ብምድላው ስድራቤታ ተዓዲሞም ብምምጻእ እቲ ዝተሓተ ገዝሚ ወሲዶም ንቡር ይፍጽሙላ።
ገዝሚ ጫድ ከከም ዓሌትን ትሕዝቶን እንዳ ጓል ካብ 1000 ክሳብ ሓደ
ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ይኽእል። እታ ኣብ ዝዀነ መርዓ ዘይትተርፍ ግን፡ 8
ግራም እትምዘን ብእንዳ-ወዲ ንእንዳ-ጓል እትወሃብ ሳንቲም ወርቂ’ያ። እዚ ብዘይካ
ክዳውንቲን ስልማትን መርዓትን፡ ጨና ሓማትን ዝጽዋዕ ንኣደ ጓል ዝወሃብ ክቡር
ባህላዊ ጨና ጫድ እዩ። ኣብ ቀቢላ “በላላ” ግን፡ ካልእ ዓይነት ምዝራፍ’ዩ
ዝፍጸም። ብመሰረት ባህሊ’ዛ ቀቢላ በኳር ኣብ እንዳ ስድራኣ ስለ እትሓርስ፡ በዓልቤታ እዋን ሕርሳ ምስ ተቓረበ ናብ እንዳ ስድራኣ ኣስኒቑ ይሰዳ። ብሰላም ተገላጊላ
ውሉዳ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝገብር ድማ ምስ ስድራኣ እያ እትጸንሕ። በዓል-ቤታ
ድማ ናብ እንዳ ሓሙኡ እናተመላለሰ ሕሩድን ፍሩታን ክቕርብ ይግደድ።
ሃብታም ምስ ዝኸውን፡ እንዳ ጓል ንጓሎም ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት’ዮም ምሳኦም
ክሕዙዋ ዝፍትኑ። እታ በኳር ሓራስ ድማ ካብ ፍቓድ ስድራኣ ስለ ዘይትወጽእ፡
ትም ምባል’ያ እትመርጽ። ዓቕሉ ዝጸበቦ በዓልቤታ ከኣ ምስ ኣዕሩኽቱ ብምስምማዕ፡
ኣጸምው ኣቢሉ ንበዓልቲ-ቤቱን ውላዱን ዘሪፉ ይወስዶም።
መርዓት ጫድ ቅድሚ ዕለተ መርዓኣ ኣብ ዘላ ወርሒ፡ መዓልታዊ “ኣልመቐር”
ብዝጽዋዕ ጥዑም ዝሽታኡ ዕንጸይቲ ጥሽ ትወብእ።
“ኣልመቐር” እንትርፎ መርዓትን በኳር ሓራስን፡ ካልእ ጓል-ኣንስተይቲ ከተዘውትሮ
ኣይፍቀደላን’ዩ።
ዘይመሰለት ጐርዞ ጫድ ኣእዳዋ ጥራይ’ያ እትሕነን። መርዓትን በዓልቲ
ሓዳርን ግን፡ ኣእጋራን ኣእዳዋን’ያ እትሕነን።
መርዓውቲ ጫድ፡ ንኣርበዓ መዓልታት’ዮም ካብ ገዛ ከይወጹ ዝሕጸኑ።
እቲ ሓደ ሰሙን ኣብ እንዳ ጓል ክኸውን እንከሎ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ እንዳ
ወዲ የሕልፉወን። ጽባሕ’ቲ መርዓ፡ ኣደ ጓል ንመርዓውቲ ፍሉይ ቁርሲ ተዳሉ።
ነቲ ቁርሲ ምስ ቀረበቶ ድማ፡ መርዓዊ መግለጺ ምስጋናኡ ሰልዲ ይህባ።
ተሓጸንቲ እንትርፎ ኣደ’ታ ጓል ዝገበረቶ መግቢ፡ ካልእ ኣይበልዑን’ዮም።
ኣብ ባህሊ ጫድ ብሓፈሻ፡ ዝዀነ ወዲ ኣብ መርዓ ሓፍቱ ኣይሳተፍን’ዩ።
“ሓፍተይ ትምርዖ ኣላ” ኢሉ’ውን ኣዕሩኽቱ ኣይዕድምን። እንትርፎ ኣብ
ንውሕ ዝበለ እዋንን፡ ኣገደስቲ ጉዳያትን ድማ ናብ እንዳ ሓፍቱ ኣይበጽሕን’ዩ።
መርዓት ናብ እንዳ ወዲ ምስ ከደት፡ እቲ መርዓዊ ንደቀንስትዮ መቕርቡ “ርሱም
ኣልነዝላ” ዝጽዋዕ ገንዘብ ከይከፈላ ናብ ገዛኡ ኣይትኣቱን’ያ።
ኣብ ሕብረተ-ሰብ ጫድ ልዕሊ ሓንቲ ምምርዓው፡ ንቡር ተርእዮ’ዩ። ከም
ምልክት ሃብቲን ስብእነትን ስለ ዝሕሰብ ድማ፡ እቲ “ሓንቲ በዓልቲ-ቤት ጥራይ
ትኣኽለኒ” ዝበለ፡ ግዳይ ላግጽን ዳእላን መቕርቡን – ኣብ ገለ እዋናት ድማ
በዓልቲ-ቤቱን ይኸውን።
ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ካልእ ክምርዖ ምስ ዝሓስብ፡ ነታ ቀዳመይቲ’ዩ ዝውከሳ።
ንሳ’ውን ነቲ ሓሳብ ብምቕባል፡ ነታ ካልአይቲ ዝኸውን ቦታ ተዳሉ።
መብዛሕቲኡ እዋን፡ እተን ኣንስቲ ኣብ ሓደ ካንሸሎ’የን ዝነብራ። እቶም ደቆም
ድማ፡ ንሰበይቲ ኣቦኦም “ኣሞይ” ብምባል ይጽውዑዋ። እተን ኣብ ሓደ ገዛ ዘለዋ
ክፍልታት፡ ከከም ብዝሒ እተን ኣንስቲ ይስራሓ። ብተወሳኺ’ውን፡ ናይ ኣቦ’ታ
ስድራ፡ እንዳ ዓበይቲ ቈልዑን መሕደሪ ጋሻን ተባሂለን ዝፍለያ ክፍልታት
ኣለዋ።