Wednesday , March 22 2023

ለበዳ “ኮቪድ-19” እናወሰኸ ይመጽእ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ሽወደን ኣስታት 1700 ሰባት ብሕማም “ኮቪድ-19” ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ሽወደን ሆስፒታላትን ኣገልግሎታት ጥዕናን ብምኽንያት ደግሲ ቊጽሪ ሕሙማት ኣብ ወጥሪ ምህላወን ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን የመልክት። መጠን ለበዳ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ከባቢ 43% ክብ ኢሉ ምህላዉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

“ምስ ናይ ዝሓለፈ ወቕቲ ዝነበረ ቊጽሪ እንክረአ እዚ ለበዳ ብውሕዱ ንብርክት ዝበላ ሳምንታት ከምዚ ኢሉ ዝቕጽል እዩ ዝመስል” ክብል ዋና ክኢላን ተጸዋዒን ሕማማት ለበዳ ኣንደርሽ ሊንድብሎም ኣመልኪቱ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com