Breaking News
The Left Party's economic and political spokesperson Ulla Andersson is not standing for re-election. Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ላዕለወይቲ ኣባል ሰልፊ ቬንስተር፡ ካብ ፖለቲካ ክትፋኖ እያ

ላዕለወይቲ ኣባል ሰልፊ ቬንስተር ዝኾነት፡ መቦቀላ ካብ ያቭልቦሪ ዝኾነት ጓል 58 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ኡላ ኣንደሾን፡ ካብ ፖለቲካዊ ዓለም ክትሳናበትን ንሰልፋ ወኪላ ኣባል ባይቶ ኮይና ከምዘይትምረጽን ገሊጻ ክብል ጋዜጣ ዘ ወርከርስ ብሌድ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዘሕለፍክዎ ሂወት፡ ኣዘናጋዒ፡ መሃርን ኣነቓቓሕን እኳ እንተነበረ፡ ብጣዕሚ ኣድካምን ኣህላኽን እዩ። 16 ዕመታት ድማ እኹል እዩ ይመስለኒ። ሕጂ ድማ፡ ሓድሽ ሓይሊ ክርከበና ግዚኡ እዩ ክትብል ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ኣንደሾን፡ ወሃቢት ቃል ቁጠባዊ ፖሊሲ ሰልፊ ቬንስተር ኮይና ንብዙሕ ዓመታት ዝሰርሐት እያ። መዝነታ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ የካቲት፡ ክትሓድግ ምዃና ውን ተፈሊጥይ ኣሎ።