Saturday , June 15 2024
Credit: Jonas Ekströmer/TT

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ሚኒስተራት መንግስቲ ንገዛእ ርእሶም “ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ” ኢሎም ይጽውዑ።

13 ካብ 24 ሚኒስተራት መንግስቲ ንገዛእ ርእሶም “ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ” ኢሎም ክጽውዑ ዝኾነ ጸገም ከም
ዘይብሎም፥ 7 ግና ከምኡ ተባሂሎም ኢሎም ክጽውዑ ከም ዘይመርጹ፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
“ንገዛእ ርእስኻ ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ ኢልካ ትጽውዓዶ?” ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም እዞም ሚኒስተራት፥ ኣብዚ ኣምር
ብዘለዎም ኣጣምታ ፍልልያት ኣርእዮም ኣለዉ። ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ሚኒስተራት፥ ንገዛእ ርእሶም በዚ ስም ክጽውዕዋ ጸገም
ከም ዘይብሎም ክገልጹ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ኣብቲ ኣምር ነቐፌታዊ ኣጣምታ ከም ዘለዎም፥ ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም
ኣለዉ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምኡ’ውን ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነት የስካ ሩስቫል፥ ንገዛእ ርእሳ ተጣባቒት መሰል
ደቀንስትዮ ኢላ ምጽዋዓ ባህርያዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ “ኣብ ሽወደን ኣብ ጒዳይ መሰል ደቀንስትዮ ክንድቲ ክንበጽሖ ዝግብኣና
ዘይምኻድና ዘሕዝን እዩ” ኢላ። ሚኒስተር ህዝባዊ ምምሕዳር ከምኡ’ውን ኣባል ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤሪክስ ሎትነር ግና
ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎ። ንሱ “እዚ ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ዝዓግት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ክንድቲ ዝበሃሎ ማዕርነት
ዝፈጥር’ውን ኣይኮነን” ክብል ገሊጹ’ሎ።
ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሾን ሓደ ካብቶም ንገዛእ ርእሶም “ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ” ኢሎም ዝጽውዑ ኣካላት መንግስቲ ምዃኑ
እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com