Tuesday , June 25 2024

ልዕሊ 7000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሆቴልን ኮንፈረንስን ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ካብ ስርሖም ክጎድሉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

“ምሉእ ብምሉእ ጽልማት ዝኾነት ምሸት እያ እዛ እዋን…ሽቕለት ኣልቦነት ከስፋሕፍሕ እዩ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት እዩ ኣትዩና ዘሎ” ክብል ዋና ኣካያዲ ቪዛን ትካል ንግድን ዮናስ ሰሊማር ገሊጹ’ሎ። ፕረሲደንት ማሕበር ሆቴልን ሬስቲራንትን ማሊክ ኣኾልት ገለ 700 ዝኾኑ ሰባት ድሮ ካብ ስራሕ ለቒቖም ምህላዎምን ካልኦት 3500 ሰራሕተኛታት ክሳብ ቀዳመ ሰንበት ክሰናበቱ ኣብ ምድላው ምህላዉን ድማ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ክሳብ 2500 ዝኾኑ ተመላለስቲ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክስጐጒ ከም ዝኽእሉ ተመልኪቱ’ሎ።

ካ ቤንችማርኪንግ ኣላያንስ ዝተረኽቡ ናይ ቀረባ እዋን ስታቲስቲክስ ከም ዘመልከትዎ ኣብ ስቶክሆልም ዝጸንሐ ሆቴላት ናይ ምሕዛእ ቊጽሪ ብ 39% ምንቊልቋሉን ድማ ተመልኪቱ። ብዛዕባ ኣታሕዛ ኣጋይሽ ኮንፈረንስ ንባዕሉ ኣዝዩ ኣሉታዊ ዝኾነ ጸብጻባት ምህላዉን ሕዛእቲ ብ 64 ሚእታዊት ምንቊልቋሉን እዩ ዝንገር ዘሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ካብ 500 ንላዕሊ ሰባት ከይእከቡ ዝእግድ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ ተመልኪቱ’ሎ። ብዘይካዚ ኢንዱስትሪ ኣብያተ መግቢ ምስ ሆቴል ዝተተሓሓዘ ኣገልግሊት ዝህብ ምስ ምዃኑ ብሰንኪ እዚ ሕማም ኣጸቢቑ ክጽሎ ከም ዝኽእል ተገሚቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com