Breaking News
The course is two half-days long and aims to provide information about Swedish society. Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ሓተቲ ዑቕባ፡ ብዛዕባ ሕጊ ሽወደን ዝምልከት፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ክግደዱ እዮም

ካብ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 01 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ፡ ንሕጊ ሽወደን ብዝምልከት፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ክግደዱ እዮም ክብል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ መባእታዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ሕጊ ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ 15 ዓመት ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ፡ ግዴታዊ ናይ ቃል ትምህርቲ ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ እብረ ተኸፊሉ፡ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን ንጉጅለታት ዝወሃብ ክኸውን እዩ።

እቶም ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ድማ፡ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብጽሑፍ ክወሃቦም እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ምስ ወለዶም ኮይኖም ንኽመሃርዎ ተባሂሉ ምዃኑ እቲ መምርሒ ሓቢሩ። ብዘይ ስድራ ዝመጹ ትሕተ ዕድመ ድማ፡ ምስቶም ዝኣልይዎም ኣካላት ኮይኖም ብቓል ክመሃሩ እዮም።

እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ኣብ መቐበሊ ሓተቲ ዑቕባ ቦደን፡ ሱንድበሪ፡ ኖርሾፒን፡ ማልመን ዮተቦሪን ክሰላሰል መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት፡ ካብ 8 ክሳብ 20 ሰባት ዘለዋ ጉጅለ ብምፍጣር፡  ክመሃሩ ክኽእሉ እዮም። ብድጂታላዊ ኣገባብ ውን ምስታፍ ይከኣል እዩ።

እቲ ትምህርቲ፡ ግዴታ ብምዃኑ፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ካብ 3 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝኾኑ ህጻናት፡ መውዓሊ ቦታታት ከዳልወሎም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ወላ’ኳ እቲ ትምህርቲ ግዴታ እንተኾነ፡ ሓተቲ ዑቕባ ከሳተፉ እንተዘይደልዮም፡ ዝመጾም ሳዕቤናት ከምዘየለን መምዘኒ ፍልጠት ተባሂሉ ውን ዝወሃብ ፈተና ከምዘየለ፡ ቫይኪንግ፡ ገሊጻ።

ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ኣርባዕተ ክፋል ዘለዎ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣገባብ ምሕታት ዑቕባ፡ ሂወት ኣብ ሽወደን፡ ሕጊ ሽወደን፡ ዲሞክራሲ፡ ክብርታትን ልምድታትን ዘጠቓለለ እዩ ክኸውን።