Sunday , June 16 2024
A picture of Steve Jobs, founder of Apple in conjunction with a product presentation made by the company in 2017. (AP Photo/Marcio Jose Sanchez)

ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ፍርያት ኣፕል ዝኾነት ኮምፕዩተር፡ ናብ ጨረታ ወሪዳ

ንኽትስራሕ 600 ሽሕ ዶላር ዝሓተተት፡ 45 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ብስቲቭ ጆብስ ዝተሰርሐት ፍርያት ኣፕል ዝኾነት ኮምፕዩተር፡ ብ 5 ሚልዮን ዶላር፡ ንጨረታ ቀሪባ ከምዘላ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዛ ኣብ ማዕከን ጨረታ ካሊፎርንያ፡ ብኣፕል-1 መጸውዒ ስም ተዋሂብዋ ዘሎ ኮምፕዩተር፡ መበገሲ ዋጋ ጨረታ፡ 200 ሽሕ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ስቲቭ ጆብስ፡ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ካብ ዝሰርሐን 200 ኮምፕዩተራት፡ ሓንቲ፡ ኣብ ዓመተ 2014፡ ኣብ ማዕከን ጨረታ ኒውዮርክ ቀሪባ፡ ብ 1 ሚልዮን ዶላር ከምዝተሸጠት ይዝከር። ካብተን ተሪፈን ዘለዋ 60 ኮምፕዩተራት፡ እተን 20 ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዋን ብጽቡቕ ይሰርሓ ምህላወን ተገሊጹ።

ተዓዋቲ ጨረታ፡ ምስታ ኮምፕዩተር፡ ፓናሶኒክ ዝዓይነታ ሞኒተር፡ ገመዳትን ማንዋልን ክወሃቦ ምዃኑ፡ እቲ ማዕከን ጨረታ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com