ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ንመደበር መከፋፈሊ ጸዓት ኤለትሪክ ሽወደን ስግኣት ኣንቢሮም ምላዎም፡ ኣብ “ስቨንስካ ክራፍትናት” ሓላፊ ጸጥታን ምድላውን ኤሪክ ኖርድማን ገሊጹ። “ስቨንስካ ክራፍትናት” ሓላፍነት ምትሕልላፍ መርበባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ሽወደን ዝተዘርግሑ መስመራት ኤለትሪክ ዝከታተል ትካል እዩ። ሃገራት ንጸዓት ኤለትሪክ ከም መሳርሒ ፖለቲካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ከኣ ጸቕጢ ንምሕዳር ከም ዝጥቀሙሉ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሃገረ ሽወደን ነባር ተንታትኒ ኤንሪክ ሃግስትሮም ገሊጹ’ሎ።