Wednesday , October 4 2023

ሓደ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ቍስሉ እተሰፍየ ቍራጽ ዓለባ ስረኡ ተረኺቡ

ሓደጋ TT

ናይ ኦርንሾልድቪስክን ናይ ሁዲንገን ማእከላት ጥዕና ንሓደ ወዲ 11 ዓመት ዝዕድመኡ ዚምልከት ሓበሬታ ተቐቢለን። እቲ ወዲ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ምስ ተጓነፎ ናይቲ ስረኡ ቍራጽ ዓለባ ኣብቲ ቍስሉ ኣትዩ።

እቲ ወዲ ኣብ ናይዚ ዓመትዚ መወዳእታ ሓጋይ ኣብ ኦርንሾልስቪክ ናይ ብሽግለታ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ፡ ኣብ እግሩ ድማ ቆሲሉ። ኣብቲ ማእከል ጥዕና ምስ ከደ ኣርባዕተ ስፋይ ተገይሩሉ።

ይኹንምበር እቲ ቍስሊ ምሕዋይ ኣብዩ፡ ድሕሪ ናብቲ ዚቕመጠሉ ሁዲንገ ማእከል ጥዕና ሸውዓተ ግዜ ምምልላስ ግን ኣብ ቍስሉ ክልተ ሰንቲመተር ንውሽጢ ናይቲ ስረኡ ቍራጽ ዓለባ ተሰፍዩ ተረኺቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com