Friday , July 12 2024

ሓደ ጀርመናዊ ኲባንያ ዝዓበየ ወናኒ ንብረት ሽወደን ተባሂሉ።

እዚ ፉኖቪያ ዝተባህለ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ዝውንን ጀርመናዊ ኲባንያ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ዝዓበዩ ናይ ሪልእስቴት ብርኪታት ሄምፕላ ክዕድግ ድሌት ከም ዘለዎ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ምፍላጡ ይዝከር። በዚ ድማ ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ወናኒ ንብረት ጌርዎ ይርከብ።

ብዘይካዚ ፉኖቪያ ዘለዋ ናይ ሪል እስቴት ፕሮፋይል ናብ 38 ሽሕ ከተዕቢ መደብ ከም ዘለዋ ገሊጻ’ላ። እዚ ኲባንያ ኣብ ሃገራት ሽወደን ጀርመንን ኦስትርያን ብጠቕላላ 10 ሽሕ ሰባት ቈጺሩ ከም ዘስርሕ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com