Tuesday , July 16 2024

ሓድሽ ክታበት ሃገረ ኩባ፡ ኣብ ናይ መጨረሽታ መጽናዕታዊ መድረኹ በጺሑ

ሃገረ ኩባ፡ ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶ ካልኣይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ናይ መጨረሽታ መጽናዕታዊ መድረኹ ከምዝበጸሐ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።

ሃገረ ኩባ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም፡ ለበዳ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ ክታበት ኣፍርየን ዝልእካ ውሑዳትን ምኩራትን ሃገራት እያ። እዛ ሃገር፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይጀመራ ውሑዳት ሃገራት ምዃና ውን ይንገረላ። ንሳ፡ ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶ ክታበት ኮቪድ-19፡ ንኽትጥቀም ትጽበ ዘላ ሃገር እያ።

ኣቐድም ኣቢላ ካብ ዘፍረየቶም ዓይነታት ክታበት፡ ሶበራና 2 (Soberana 2) ዝተባህለ ክታበት፡ ንፈተነ ጀሚራቶ ከምዘላ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዳላ (Abdala) ዝተባህለ ሓድሽ ክታበት ድማ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ዓመት ክሳብ 80 ዓመት ዝርከቡ 48 ሽሕ ሰባት፡ ናይ መጨረሽታ መጽናዕታዊ መድረኽ ንኸካይድ ፍቓድ ረኺቡ ከምዘሎን ውጽኢቱ ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።    


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com