Friday , June 14 2024
People sit on steps next to a sculpture in the shape of Amharic words reading "Addis Ababa" in the Piazza old town area of the capital Addis Ababa, Ethiopia (AP Photo, File) NAI101

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ንሰለስተ ሃገራት ካብ ውዕል ንግዲ ትግልፍ

ኢትዮጵያ፡ ማሊ ከምኡ ውን ጊኒ: ካብ ሎሚ ንደሓር ኣካል ናይ`ቲ ኣብ መንጎ ሕ.መ.ኣ.ን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝተገብረ ናይ ንግዲ

ውዕል ማለት ኣ.ጎ.ዋ. (Agoa) ኪኾና ከም ዘይክእላ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሕጊ ዕብየትን ዕድልን ኣፍሪቃ ማለት ኣ.ጎ.ዋ. ኣብ 2000 ዓ.ም. ባኣላይነት ቢን ክሊንተን`ዩ ተኣታትዩ፡፡

እዚ ንግዳዊ ውዕል`ዚ: ምስ ትግባረ ሰብኣዊ መሰላትን መንግስትን ድሕነት ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከም ዝሕሉን ዝተታሓሓዙ ተቓረንቲ ቅድመ ኩነታት ብምቕማጥ ዩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ኣፍሪቃ ኣቑሑ ብዝተሓተ ናይ ቀረጽ ዋጋ ዝቕበል፡፡

ሕ.መ.ኣ. ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገራት ጊኒን ማሊን ዝተገብረ ዘይቅዋማዊ ለውጥታት ከምኡ ውን ብዛዕባ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተገብረ ግጭት ዝተኣሳሰር ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር እያ ካብቲ ውዕል ከም ዝስረዛ ዝገበረት። ይኹን እምበር: ሕ.መ.ኣ.: ነፍስ ወከፍ ሃገር ብኸመይ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ`ቲ ናይ ንግዲ ውዕል ከም እትምለስ ትፈልጥ እያ ክትብል ብተወሳኺ ተረድእ፡፡

ኣብ ዓመተ-2000 ኣብ ኣ.ጎ.ዋ. ንምስታፍ ዘድሊ ብቕዓታት ዘማላኣ 38 ሃገራት ክነብራ እንከለዋ ኣብ 2015 ድማ እቲ ሕጊ ብቤት ምኽሪ ሕ.መ.ኣ. ዘመናውነቱ ስለዝተመሓየሸ፡ ነቲ መደብ ክሳብ 2025 ከም ዝናዋሕ ተገይሩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com