Friday , June 14 2024

መራሒ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራት ኣብ ዶባት ግሪኽ ንዝርከቡ ስደተኛታት ” ሽወደን ክትቅበለኩም ኣይትኽእልን እያ” ዝብል ጹሑፋት ምብታኑ ተፈሊጡ።

ጋዜጣ ስቨንስካ ዳግብላደት ከም ዝጠቐሰቶ መራሒ ሰልፊ ስቫርያ ዴሞክራሲ ኣብ ዶብ ቱርኪን ግሪኽን ምህላዉን ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ስደተኛታት “ሽወደን ደጊም ሓተትቲ ዕቚባ ክትወስድ ፍቓደኛ ኣይኰነትን” ዝብል ናይ ጹሑፍ ወረቀት ምብታኑን ተፈሊጡ። ንሱ ” ንሽወደን ክትመጹ ከይትሓስብዎ! ምኽንያቱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስደተኛ ሒዝና’ለና” ከም ዝበሎም ድማ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ’ላ። ማሕበራዊ ገጽ እቲ ሰልፊ ብወገና ጂሚ ኣክሰን ምስናይ” ዶብ ዕጸውዎ! ቅልውላው ስደተኛታት 2015 ንምክልኻል ዝከኣለና ጽዒርና ኢና! ሕጂ”ውን ካልእ ቅልውላው ክንቈጻጸር ንጽዕር ኢና ዘሎና” ዝብል መወዓውዒን ስእልታት ጂሚን ኣብ ዶባት ግሪኽ ሒዛ ምውጽኣ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com