Friday , December 8 2023

መራሒ ወተሃደራዊት ሽማግለ ሱዳን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረሲደንት ኣልበሽር ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ ስልጣን ካብ ዝሓድግ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዓወድ ኢብን ዓውፍ ስልጣኑ ን ሌተና ጀነራል ዓብድልፈታሕ ዓብዱራሕማን ቡርሃን ከም ዝገደፈሉ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ስልጣን ናብ ህዝባዊት ሽማግለ ይሰጋገር ዝብል ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ጎደናታት ካርቱም ምቊራጽ ብምእባዩ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com