Sunday , June 16 2024

መስተ ሰትዩ መኪና ዝመርሐ ኣባል ባይቶ፡ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነ ኢንየ ስቶልግረን (Inge Ståhlgren)፡ ኣብ ደሙ፡ ኣልኮል እንዳ ሃለዎ፡ መኪንኡ ብምምርሑ፡ ብገዛእ ርእሱ፡ ካብ ኣባልነት ባይቶ ክእለ ጠለብ ኣቕሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ፡ ንጸብጻብ ሬድዮ P4 Sörmland ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብቐዳም ምሸት፡ ስቶልግረን፡ መኪና እንዳ መረሐ ብፖሊስ ትራፊክ ደው ኢሉ መርመራ ናይ ኣልኮል ምስ ተኻየደሉ፡ ኣብ ደሙ 0.25 መጠን ኣልኮል ድሕሪ ምርካቡ፡ ብቐጥታ መምርሒ ፍቓድ መኪንኡ ከም ዝሕደግ ኮይኑ።

ስቶልግረን፡ ኣብ ሪክስዳግ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ መንግስቲ፡ ፍረድሪክ ኦሎቭሶን፡ እዩ። ከም ኣማራጺ ኣባል ናይ ኮሚቴ ፍትሕን ኮሜቴ መጓዓዝያን ዝርከበአን ብርክት ዝበላ ባይቶኣውያን ኮሚተታት ኮይኑ ውን ከገልግል ዝጸንሐ እዩ።

በቲ ዘጋጠመ ብጣዕሚ ሓዚነን ተጣዒሰን ኣለኹ። ሰባት ኣብ ልዕለይ ዝነበሮም እምነት ውን ዝጸሉ ተግባር እዩ ክብል፡ ስቶልግረን፡ ናብ ማዕከን ሬድዮ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com