Friday , July 12 2024
Actress Sharon Stone smiles as she poses prior to a press conference on the occasion of the "Building Peace" award ceremony, in Milan, Italy, Friday, Sept. 11, 2015. (AP Photo/Luca Bruno)

መታን ጽቡቕ ክትወሃሃዱ ምስ መዋስእትኺ ጾታዊ ርክብ ፈጽሚ ብምባል ኣፍራዪ ፊልም ጸቕጢ ይገብረለይ ኔሩ”–ሻሮን ስቶን።

ዝሓለፈ ሓሙስ ታሪኽ ህይወታን ተመኲሮኣን ናብ ንባብ ዘብቅዐት ህብብቲ ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ሻሮን ስቶን ገለ ኣቓልቦ ዝስሕቡን ዘገርሙን ሓቂታት ኣካፊላ ኣላ ክብል ኢንሳይደር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሻሮን ስቶን ናይታ ኣብ 1992 ኣዝያ መዘራረቢት ዝነበረት ፊልም Basic Instinct ቀንዲ ተዋሳኢት እያ። ዳይረክተር እታ ፊልም ናብ ካሜራ ዝምለስ ነጸብራቕ ብምምኽናይ ኮስቱሞኣ ከተውጻኦ ከም ዘእመናን ንኣኣ ከየማኸረ ዕርቃነ ሕፍረታ ዘርኢ ስእልታት ከም ዝወሰደን ኣብዛ The Beauty of Living Twice ዘርእስታ መጽሓፋ ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ኣብ 80ታትን 90ታትን ኣብ ኢንዱስትሪ ፊልም ምዕያይ ዝነበሮ ዕድላትን ብድሆታትን ከም ኣካል ታሪኽ ህይወታ ዘዘንተወት ሻሮን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣፍራዪ ፊልም “መታን ኣጸቢቕኩም ክትሳነዩ ምስ ቀንዲ መዋስእትኺ ጾታዊ ርክብ ፈጽሙ ኢኹም” ከም ዝበላ ትጠቅስ።

ንሱ ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምጽዋዕ “እመንኒ ኣነ ንባዕለይ ቀደም ተዋሳኣይ ኣናሃለኹ እዚ ኣገባብ እጥቀመሉ ኔረ እየ” ኢሉኒ ትብል። ንሳ ድፍር ኢላ “ጾታዊ ርክብ ምግባርን ንፉዕ ተዋሳይ ምዃንን እንታይ ርክብ ኣለዎ?!” ኢላ ምስ በድሃቶ ጽውግ ኢሉ እዚ እንተዘይጌራ ምናልባት ካልእ ተዋሳኢት ናብ ምንዳይ ክኣቱ ምዃኑ ብተዘዋዋሪ ከም ዘፈራርሃን ትጠቅስ።

ኣብ ግዜና ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ዘቕርቡ ኣለይቲ ፊልም ብዙሓት እዮም ኔሮም። ምጒጣይን ቀጥታዊ ጾታዊ ምትንኻፍን ንስለ ሞያይ ኢለ ብዙሕ ተጻዊረ እየ፥ ኣብ ግዜና ዝነበረ ምዝመዛ ደቀንስትዮ ሎሚ ዘይምህላዉ እንክርኢ ብጣዕሚ እየ ዝሕጎስ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com