
From migrant camps outside Calais, dangerous attempts are being made to cross the English Channel. (AP Photo/Matt Dunham) LMD116
መንነት ናይቶም ብዕለት 24 ሕዳር ዘጋጠመ ሓደጋ መትረብ እንግሊዝ ዝሞቱ 27 ስደተኛታት፡ ከምዝተፈልጠ፡ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ስደተኛታት፡ ኩርዳውያን ዒራቓውያን ኮይኖም፡ 4 ኣፍጋኒስታናውያን፡ 3 ኢትዮጵያውያን፡ 1 ሶማላዊ፡ 1 ቬርናማዊ፡ 1 ግብጻውን 1 ኩርዳዊ ኢራናዊ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ግዳያት፡ 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነይሮም።
ሓደ ሱዳናውን ሓደ ኩርዳዊ ዒራቓውን ድማ ድሒኖም ኣለዉ። ድምር ናይቶም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተበገሱ ስደተኛታት 29 እኳ እንተኾነ፡ ገለ መሰኻኽር ግን 33 ሰባት ከምዝተበገሱ ገሊጾም ኣለዉ።