Friday , May 31 2024
Credit: Jessica Gow/TT

መንግስቲ፡ ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝነብሩ ሰባት ክወጹ ዝኽእለሉ መንገድታት ኣመልኪቱ መርመራ የካይድ ኣሎ።

ብዲሞክራስያውያን ሽወደን ዝድገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ዘይብሎም ሰባት ክወጹ ዝኽእለሉ መንገድታት
ኣመልኪቱ ተወሳኺ መርመራ የካይድ ኣሎ። ነቲ ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ነቶም ኣብ ሽወደን ፍቓድ
መንበሪ ዘይብሎም እናሃለዉ ዝነብሩ ሰባት “ዘይልለዩ ሕብረተሰብ” ኢላ ምጽዋዓ ዝፍለጥ እዩ። ሓደ ካብዞም ክትግበሩ ዝኽእሉ
ስጒምቲታት፥ ሰራሕተኛት ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ውልቀሰባት ምስ ዘጋጥሞዎም፡ ናብ
ሰበስልጣን ክሕብሩ ግዴታ ክህልዎም ዝብል እማመ እዩ። እቲ መርመራ፡ ሓደ ሕቶ ዑቕባኡ ዝተነጽገ ሰብ ዳግማይ ቅድሚ
ምምልካቱ ክጽበ ብዛዕባ ዝግብኦ ንውሓት ግዜ'ውን ዝምልከት'ዩ። ዳግማይ ናይ ምምልካት ተኽእሎኡ’ውን ምሉእ ብምሉእ
ዘወግድ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

 

Credit: Jessica Gow/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com