Tuesday , June 25 2024

መንግስቲ ሽወደን፡ በዓል ፋሲካን ሮሞዳንን ንምጽንባል ዝግበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ይጽውዕ።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ካብ ምጋሽ ክቑጠቡ መንግስቲ ተማሕጺኑ። ብተወሳኺ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም በዓል ፍሲካ ኮነ ሮሞዳን ንምጽንባል ዝግበሩ ዝነበሩ ምትእኽኻባት ንኽስረዙ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን ጸዊዓ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ምግታእ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት፡ ቤት ምግብታት፡ ድኳናትን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላትን ምርሕሓቕ ናይ ተገልገልቲ ንኽቆጻጸራን ተወሳኺ ጥንቃቀታት ንኽገብራን ሓላፊ ማሕበራዊ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ጸዊዑ። እቲ ጻውዒት ብሕጊ ዝግድድ እኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ምኽሪ ጥራይ ኮይኑ ንኸይተርፍ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኡ ተቐይዱ ክኽይድ ከምዘለዎ ካርልሰን ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ። ነዚ መምርሒ ጥሒሱ ንዝኸይድ ሰብ ብሕጊ ክሕተት ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር ተሰካሚ ክሮና ቫይረስ ዝኾነ ሰብ ጥሕሰት እንተገይሩ ግን ብሕዚ ክሕተት ከምዝኽእል ኣብሪሁ።

ብዕድመ ዝደፍኡን በዚ ቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎም ሰባትን እንዳ ሻሂ ኮነ ዕዳጋታት ካብ ምኻድ ተቖጢቦም ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ከምዝግባእ ገሊጹ። ኩባንያታትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኾና ኣውቶቡሳት ብዝሒ ተሳፈርቲ (crowded) ንኸይፍጠር ክቆጻጸራን ዘድሊ ስጉምቲ ንኽወስዳ ሓለፍነተን ምዃኑን ብገለ ኩባንያታት ዝተገብረ ህዝባውያን መጓዓዐዝቲ ናይ ምጉዳል ፍጻመ ቅቡል ከምዘይኮነ ገሊጹ። ዋሕዲ መጓዓዝያ ጠንቂ ጽቕጥቅጥ ስለዝኾነ። ትካል ማሕበራዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ሓንቲ ኣገልግሎት ትህብ ህዝባዊት መጓዓዝያ ክሳፈሩ ዝግበኦም ብዝሒ ተሳፈርቲ ክውስንን ንተሳፈርቲ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝግልገሉ ክሕብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com