ብዙሕ ክፍሊት ጸዓት ኤለትሪክ ዘለወን ኲባንያታት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክግበረለን ዝብል እማመ መንግስቲ፡ ን ሕጊታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝጥሕስ ብምዃኑ ክሰሓብ ከም እተገብረ ሚኒስተር ጸዓት፡ ቢዝነስን ኢንዱስትሪን ኤባ ቡሽ ትማል ሓሙስ ኣፍሊጣ። እዚ እማመ ጽገና ክግበረሉ ከም ዝግባእ፡ ሃገራዊ መረብ ጸዓት “ስቨንስካ ክራፍትናት” ከኣ ኲባንያታት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝወሃባሉ ሓድሽ ስርዓተ ዕማም ከም እተዋህቦን እንተደንጎየ ክሳብ 4 ጥሪ ናይ ሓድሽ ዓመት 2023 ንመንግስቲ ጸብጻቡ ከቕርብ ምዃኑን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
እዚ እናኾነ መንግስቲ ንውልቀ ሰራሕተኛታትን ዓበይቲ ኲባንያታትን ድጎማ ኤለትሪክ ንከሳልጥ ድር ዕዮ የካውን ምህላዉ –ኤባ ቡሽ ሓቢራ’ላ።