Tuesday , November 29 2022

መንግስቲ ኣብ ግብረሽበራዊ ውድባት ንእተሳተፉ ሰባት ብገበን ዘቕጽዕ ቅዋማዊ ክለሳ ክገብር ይህቅን ምህላዉ ተገሊጹ ክትብል ቲቪ 4 ሓቢራ።

TV4: መንግስቲ ኣብ ግብረሽበራዊ ውድባት ንእተሳተፉ ሰባት ብገበን ዘቕጽዕ ቅዋማዊ ክለሳ ከገብር ይህቅን ምህላዉ ተገሊጹ ክትብል ቲቪ 4 ሓቢራ።

ሚኒስተር ፍትሒ Morgan Johansson እዚ ጒዳይ ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዝደፍኡሉ ንምዝርራብ ምስ ሰልፊታት ቡርዡዋ ክራኸብ እዩ።

እታ ተሌቪዥን ዝርዝር እቲ እማመ ኣኳ እንተዘየቕረበት ቆንስል ምምኻር ሕጊ ግና ኣበራት ኣለዎ፥ ገሊኡ ዓንቀጻቱ ምስ ናጽነት ምውዳብ ዝጻረር እዩ ብምባል ከም ዝነጸጎ ገሊጻላ።

ብተወሳኺ እዚ ቆንስል እዚ እማመ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ሰናይ ሕጊ ተመርኲስን መቕጻዕቲ ናይ ምብያን ተኽእሎአን ዝዕንቅፍ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ኣይሓብአን።

እዚ እማመ ቀዳማይ ሚኒስተር Stephan Leufen ዝቐረበ ኮይኑ እንተጸዲቑ ካብ ዝመጽእ ነሓሰ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

እቲ ኮይኑ እቲ ቅዋማዊ ምምዕርራይ ንምሕላፍ ገለ ሕጋዊ መስርሓት ዝጠልብን ምስ ምዃኑን ግዜ ዝወስድ እዩ ይብሉ ተንተንቲ።