Saturday , December 2 2023

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ክታበት ህጻናት ሓሳቡ ይቕይር

ወለዲ ንደቆም ጸረ Covid-19 ሕጂ ከኽትቡ ከም ዝኽእሉ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ጃኮብ ፎርስሜድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡ ዓሚ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ን 12-17 ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ኮቪድ ኣይድልዮምን እዩ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ህጻናት ዕድሜኦም ብዘየገድስ ፍሉይ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንትዘይብሎም ክኽተቡ ይምከሩ ኣይነበሩን። ሕጂ መንግስቲ ካልእ ገምጋም ብምግባር ንህጻናት ክታበት Covid ክወሃብ ክብል ወሲኑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com