Monday , February 26 2024
Credit: Fredrik Sandberg/TT

መንግስቲ ዜግነት ጒጅለታት ገበን ንምፍላጥ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ዜግነት፡ ዕድመ ጾታን ካልእን ዝርዝራት ኣባላት “ጕጅለታት-ገበን” ክምርምር ከም ዝደሊ ገሊጹ። ኣብ ገበናዊ
መርበባት ናይ ዝሳተፉ ሰባት ዜግነት ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ ዝበለ ኣባል ሰልፊ ሞድራትናን ሚኒስተር ፍትሒን ጉናር ስትሮመር፥ ኣብ
ሽወደን ዘለዉ ጕጅለታት ገበን እንታይ ይመስሉ ንምፍላጥ መንግስቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ክሕዝ ድሌት ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ነዚ ተርእዮ
ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዘና እዩ” ይብል። ኣብዚ ገበን ዝዋፈሩ ደቂ ሽወደን ዘይኮኑ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፥ ናብ ዓዶም ክስጐጒ
ከም ዝኽእሉ ስትሮመር ወሲኹ ኣጠንቂቑ’ሎ።

 

 

Credit: Fredrik Sandberg/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com