Friday , June 14 2024
Secretary of State Antony Blinken and Defense Secretary Lloyd Austin meet virtually with Japanese Foreign Minister Yoshimasa Hayashi and Japanese Defense Minister Nobuo Kishi (State Department via AP) DCJE301

መንግስታት ኣመሪካንን ጃፓንን ኣንጻር ሃይፐርሶኒካዊ ኣጽዋር ይሰማምዓ፥

ሚኒስትሪታት ወጻእን ምክልኻልን ክልቲአን ሃገራት ቪርቹዋል ኣኼባታት ድሕሪ ምክያዶም፡ ሕ.መ.ኣ.ን ጃፓንን ክልተ ናይ ምክልኻል ውዕላት ንምፍርራም ተዳልየን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ፡ ፡

እዘን ክልተ ሃገራት ንኣብ ናይ ሃይፐርሶኒካዊ ኣጽዋር ዘስግኣ ሃገራት ግብረ- መልሲ ንምሃብን ንገለ ተክኒካዊ ክፋሉ ናይ ምክልኻል ንምምዕባል ምርምር ምክያድን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ወዕል ክፈራረማ `የን፡፡

ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ ከምኡ `ውን ሰሜን ኮርያ ካብ ባላስቲክ ሚሳይላት ኣዚዩ ዝቐልጠፈን ዝያዳ ተንቃሳቓስን ዝኾነ ሃይፐርሶኒካዊ ሚሳይል የዳልዋ ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ነቲ ናይ ሚሳይል ስርዓተ-መከላኸሊ፡ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ኣብ ምርካብን ምምካንን ኣዚዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከምዘሎን `ዩ ተሓቢሩ፡፡

ብመሰረት ጸብጻብ ኒከይ፥ ኣብ `ዚ እዋን `ዚ ጃፓን ኣብ ኤለክትሮ-ማግነታዊ ምንቅስቓስ ተጠቒሙ ፕሮጀክትታት ከባርዕ ዝኽእል ጠበንጃ ማለት ረይል-ጋንስ ተባሂኡ ዝስዋዕ ኣጽዋር`ያ ተተኩር ዘላ፡፡ ይኹን `ምበር፥ ብመሰረት ሓበረታ ሚሊታሪ ዶት ኮም፥ ሕ.መ.ኣ. ኣብ `ዚ ቀረባ ግዜ ማለት ኣብ `ዚ ክረምት `ዚ ነቲ ናይ ስርዓተ- ረይል-ጋንስ ጠበንጃ ንምስራሕ ኣውጺኣቶ ዝነበረት ውጥን ከም ዘቋረጸቶ `ዩ ተገሊጹ፡፡

እቲ ካልኣይ ስምምዕ ድማ ነቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ወተሃደራዊ ህላወ ሕ.መ.ኣ. ዝግበር ወጻኢታት ንምኽፋል ከምዝኾነን፡ እዚ ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ መንጎ ጃፓንን ሕ.መ.ኣ. ተኸሲቱ ዘሎ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ቆጸራታት ንኽስዕብ መኽንያት ከም ዝኾነን ብተወሳኺ ክረጋሀጽ ተኻኢሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ፡፡

ሕ.መ.ኣ. እንተላይ ሓይሊ-ባሕሪ ወሲኽካ፡ ኣብ ጃፓን 55.000 ወታሃደራት ኣለዉዋ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com