Wednesday , May 31 2023
Breaking News

መጠንቀቅታ ካብ ምንሽርታት በረድ

ክኢላታት ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ናይ ግጉው በረድ ተርእዮን ሓደጋታቱን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም።

ብመሰረት ክኢላታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከፋላት እታ ሃገር ድሕሪ ውርጪን ዝናብን ዝመጹ ዝሑላት ኩነታት ኣየር መንገዲታት ሰል ዘዕንዉ ዘወርቲ መካይን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ።

በዚ ኩነታት ዝያዳ ዝጽለዋ ከባቢታት ኦሬቦሩ ዌስትሚንላንድ ክምኡ’ውን ሱርምላንድ እየን። ትማሊ ምሸት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከፋላት እታ ሃገር ሙቕት ትሕቲ ባዶ ዲግሪ ሴልሴስ ሓዲሩ።

ሰሉስ ዋዒ ከምዝነበራን ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ግና ኣብ ብርክት ዝበሉ ከፋላት እታ ሃገር (ደቡባዊ ዞባ ጎትላንድ ገዲፍካ) ትሕቲ ባዶ ዲግሪ ሴልሴስ ምንባሩ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ንደቡባዊ ዞባ ጎትላንድ ክጸልዎ እዩ ተባሂሉሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com