Friday , July 12 2024
Credit: Anna Larsson/Sveriges Radio

መጠን ነብሰ ቅትለት ደቂ ተባዕትዮ ንምንካይ ወፍሪ ይግበር

ማሕበር ሃደንቲ ሽወደን ያጋረፎርቡንደት ኣብ ዳላርና ኣብ መንጎ ኣባላቱ መጠን ነብሰ ቅትለት ንምንካይ ወፍሪ የካይድ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ እቲ ኣገባብ ናብ ካልእ ክፋላት ሽወደን ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ማሕበር፡ ኣብ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ንዝርከብ ሰብ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ሓሙሽተ ምኽርታት ዝሓዘ ላሚነይትድ ካርድታት ንኣባላቱ ብፖስታ ሰዲዱሎም ኣሎ። ናይ ነብሰ ቅትለት ሓሳባት እንተሃልዩካ ወይ ምስ ሓደ ሰብ ምዝርራብ እንተድኣ ኣድልዩካ፤ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ክንክን ጥዕናን ጸጋታትን ምኽሪ ንምርካብ ናብ 1177 ደውሉ።

ወይ ናብ መስመር ቴሊፎን ምክልኻል ነብሰ ቅትለት 90 101 ጻውዒት ክትገብሩ፣ ወይ ድማ mind.se ብምእታው ቀጥታዊ ናይ ዕላል ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብሪስ – ትካል መሰል ህጻናት ፡ ንህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ናብ ቁጽሪ መስመር ሓገዝ 116 111 ክድውሉ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com