ኣቕረብቲ “ሙዚክህያልፐን”፡ ኣብ ዮተበሪ ንሰሙን መመላኣታ ካብ ዝጸንሑሉ ብመስትያት እተሰርሐ ስቱድዮ ኩንግስቶርገት ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 9 ምሸት ምውጽኦም፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣቕረብቲ ንሰሙን 24 ሰዓታት ናይ ሬድዮን ተለቪዥንን ፕሮግራም ክፍንዉ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት፡ እቲ ፕሮግራም ኣስታት 54.5 ሚልዮን ክሮና ክእክብ ምኽኣሉ፡ እዚ ገንዘብ ከኣ ብሰንኪ ኲናት ካብ ቤቶም ንዝተሰደዱ ቆልዑ ንምንባይ ክውዕል ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ ፕሮግራም “ሙሲክህያልፐን” እታ ብብዝሒ እተጠልበት ስራሕ “ባርየ” ዘርእስታ ደርፊ ኢራናዊ ሸርቪን ሃዪፑር እያ።