Tuesday , June 25 2024

ሚኒስተር፡ ሽወደን ዓቢ ቁጽሪ ስደተኛታት ክትቅበል ኣይከተፍቅድን እያ።

ኣብ ዝቕጽል ዓመታት መንግስቲ ሽወደን ዓቢ ቁጽሪ ናይ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ከምዘይትቕበልን እቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ናይ መንግስቲ ድማ ብኸመይ ኣገባብ እቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ናይ ሽወደን ክወሃሃዱ ከምዝኽእሉ ምጽዓር ምዃኑ ሚኒስተር ምሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣርዳላን ሺካራቢ፡ ምስ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ። ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ሽወደን ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና እቲ ሚኒስተር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሃገሩ ግፍዒ ንኸይወርዶ ሕጋዊ ውሕስነት መሰሉ ምዃኑ መንግስቲ ሽወደን ዝኣምነሉ መርገጺ እዩ። እቲ ኣብ ቤት ትምህርታት ዝግበር ምፍላይ ናይ ተማሃሮ፡ ነቲ ምስ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ዘኽእል መስርሕ ዝሃሲ ከምዝኾነ ሺካራቢ ገሊጹ። ብምውሳኽ፡ ሽወደን ከም ቀዳምነት ሰሪዓ ክትሰርሓሉ ዘለዋ፡ ሰደተኛታት ምቕባል ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ናይ ምውህሃድ መስርሕ ክኸውን ከምዘለዎ እቲ ሚኒስተር ደጋጊሙ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com