Saturday , June 3 2023

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፓል ጆንሰን ናብ ዩክሬይን ኣቕኒዑ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፓል ጆንሰን ናብ ዩክሬይን ብምቕናዕ ምስ መዘናኡ ኦለክሲ ረዥኒኮቭ ተራኺቡ። ሽወደን ንዩክሬይን
ብኸመይ ክትሕግዛ ከም እትኽእል እውን ተዘራሪቡ። ሽወደን ኣብ ብሪጣንያ፡ ፖላንድን ጀርመንን ንዝርከቡ ወተሃደራት ዩክሬይን
ስልጠና ምሃብ ከም እትቕጽለሉ ጆንሰን ኣብቲ ዝርርብ ኣስሚሩሉ’ሎ።
“ኣብ ግዜ ኲናት ብግቡእ ዝሰርሕ ሲቪላዊ ምክልኻልን ሲቪካዊ ማሕበረሰብን ክህሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ሽወደን ካብ ዩክሬይን
ክትመሃር ትኽእል እያ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ዩክሬይን ኣብቲ ርክብ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com