Friday , June 14 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ” ኣብ ልክዕ ግዜ ቅኑዕ ውሳነ ክንገብር ኢና” ይብል።

ኣብ ሽወደን ምስ ምውሳኽ ሕሙማት ኮሮና ህዝቢ ንምግታእ እዚ ሕማም እዂል ተራኡ ክጻወት ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ። ነዚ ቅልውላው ንምፍዋስ ሓልፍነት ዝወሰደ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኲሉ ዜጋ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ኣድላዪ ዘበለ ውልቃዊ ተራኡ ክጻወት ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ኮረና ቫይረስ ኣብ ሃገርና ብናህሪ ይላባዕ ኣሎ ስጉምትና ግን ዝሒሉ ኣሎ ነዚ ናይ ሓብር ጸላኢ ንምምካት ኩሉ ሰባ ካብኡ ዝድለን ሰብ ሞያ ጥዕና ዝላበውና ዘለዉ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክንምክቶ እዩ ዘላና ይብል እዚ ምኒስተር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com