Saturday , December 2 2023

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ፓስፖርት ድሕሪ ረሲዑ ኣብ ዋዕላ ኪየቭ ተሳኢኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኪየቭ ኣብ ዝካየድ
ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳ ክሳተፍ እኳ እንተነበሮ፡ ፓስፖርቱ ብምርስዑ ኣብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬንን ደው ምባሉ ተፈሊጡ። ሰብመዚ
ዶባት ንቢልስትሮም ክሰግር ዘይምፍቃዶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንጋዜጣ ኦስትርያ ዳይ ፕረሰ ሓቢሮም። በዚ ድማ
ብሰንኪዚ ጌጋ ቢልስትሮም መዛንኡ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ናብታ ናብ ኪየቭ ን ሸሞንተ ሰዓታት እትኸይድ ባቡር ክሳፈር
ከምዘይከኣለን ገሊጾም። ጸሓፊት ፕረስ ቢልስትሮም ኣና ኤርሃርት፡ ቢልስትሮም ካብቲ ኣኼባ ብስእሊ ይኹን ቪድዮ ስለምንታይ
ከም ዝቦኸረ ንሽወደናዊት ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ሎጂስቲካዊ ዕንቅፋት" እዩ ኢላ። "ካብዚ ወጻኢ፡ ብዛዕባ
ዝርዝር ናይ ሚኒስትሪ መገሻታት ርእይቶ ክትህብ" ፍቓደኛ ዘይምዃና ወሲኻ ሓቢራ።
በዚ ድማ ሽወደን ኣብ ክንዲ ብቢልስትሮም ብኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ዩክሬን ማርቲን ኦበርግ ተወኪላ’ላ። ቢልስትሮም ኣብቲ
ምስ ዩክሬን ኣለና ንምባል ዝተኻየደ ዘይወግዓዊ ኣኼባ ዘይምስታፉ ብዙሕ ዝኸሰረ ኣይመስልን ክብል ዳይ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ
ኣኼባ ኣብ ትሕቲ መሬት ናይ ሓደ ምዕሩግ ሆቴል ኣብ መዕቆቢ ቦምባታት እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ዘይተረኽበ ሚኒስተር
ጒዳያት ወጻኢ ቢልስትሮም ጥራይ ኣይኮነን። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፔተር ስዚጃርቶ ነቲ ዕድመ ክነጽጎ እንከሎ፡ ሚኒስተር
ጉዳያት ወጻኢ ላቲቭያ ክሪሽያኒስ ካሪንሽን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ዝቢግኒዩ ራውን ክልቲኦም ብሕማም ኮቪድ ተታሒዞም
ካብቲ ኣኼባ ክስሕቡ ተገዲዶም ኣለዉ።

 

 

photo: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com