Tuesday , June 25 2024

ማሕበራት ዉሕስነት ሰራሕተኛታት ካሕሳ ግዳያት ብኮቪድ 19 ክውስኽ ንመንግስቲ ይሓትት።

ማሕበራት ዉሕስነት ሰራሕተኛታት ማለት Faket መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳራትን፣ ዓቐን ዉሕስነት ክፍሊት ካሕሳን ናይቶም ኣብ ስራሕ እንዳሃሎዉ ብኮቪድ 19 ናይ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰራሕተኛታት ክዉሰኽ፣ ኣብዚ ሰሙን ነዚ ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ዘቕረብኦ መዘክር ኣታሓሳሲበን።

እተን ማሕበራት ከምዝጠቐሰኦ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ብሰንኪ ኮቪድ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዙሓት ኣባላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያ፣ በቲ ለበዳ ዝሓመሙ ከምዘሎዉን፣ ንመጀመሪያ ግዜ ሰራሕተኛ ሕክምና ኣባል ብኮቪድ ከምዝሞተ ኣብ ዝተፈልጠሉ እዋን፣ እዚ ጠለብ ከምዝቐረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ዝኾነ ሰብ ኣብ ስራሕ ብዘጋጥሞ ጉድኣት ይኹን ሕማም ካብኡ ሓሊፉ እዉን፣ ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፣ ካሕሳ ዝኸፍል ኣካላትን ማሕበራትን ብሕጊ ዝተወሰነ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com