Friday , June 14 2024
Foto: Pontus Lundahl / TT kod 10050

ማግደሊና ኣንደርሸን፡ ንሕቶ መሪሕነት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ

ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ድሕሪ ስቴፋን ሎቬን፡ ንሳ መሪሕነት ሰልፊ ንኽትርከብ ንዝብል ሓሳብ መልሲ ከምዘይሃበትሉ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ከም መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኮይና ንስቴፋን ሎቪን ንኽትትክእ ዝተሮቕሐት ማግዳሌና፡ ሕራይ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይሃበት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ትማሊ ሰንበት፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ካብ መዝነቱ ክእለ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ንኽሮቕሑ ዘኽእሎም መስርሕ ክጅምሩ እዩም። እዚ መስርሕ፡ ብቕልጡፍ ክጅመር ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ ክትብል ከም ሓላፊት ሰልፊ ንኽትከውን ምርቋሓ ዝምልከት ኣርእስቲ ከይተንከፈት፡ ማግዳሌና፡ ምስ ጋዜጣ SvD ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣነ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ናይ መንግስቲ ስቴፋን ሎቬን፡ እየ። ጉዳይ ባጀት ዓዚዙና ንሰርሕ ኣለና። ብጣዕሚ ከቢድ ባይቶኣዊ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኩሉ ኣተኩሮና ናብኡ እዩ ዘሎ ክትብል ማግዳሌና፡ ነታ ጋዜጣ፡ ሓቢራ።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com