Friday , July 12 2024

ምሕዳስ ማእከላይ መዋፈሪ መጓዓዝያ ስቶክሆልም T ሰንትራለን 7 ዓመታት ከምዝወስድ ተሓቢሩ።

ምሕዳስ ማእከላይ መዋፈሪ መጓዓዝያ ስቶክሆልም ሶኑይ ጀሚሩ ንሸውዓተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮጀክት ምዃኑ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ተገሊጹ። እቲ ፕሮጀክት ናብ ሓሙሽተ መድረኻት ዝተኸፍለ ኮይኑ ምሕዳስ መዋፈሪ ማእከል፣መጸበዪ መድረኽን መስመራት መጓዓዝያ ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ መደብ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ማእከል መዋፈሪ መጓዓዝያ ዝርከብ ቦታታት ጽልዋ ከምዝፈጥር ይግመት። እዚ ናይ ምሕዳስ ስራሕ ሓደ ኣካል ናይ ሰሓብን ኣድማዕን ብቐሊሉ ክርከብ ዝኽእል ማእከል መዋፈሪ ንምፍጣር ከምዝኾነ ኣብ ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ሓላፊት ፕሮጀክት ስቶክሆልም ዝኾነት ቨሮኒካ ቢሪፎርዝ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com