Friday , July 12 2024

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ቀዳምነታት ናይ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ክውስና እየን

ነቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ መስርሕ ክታበት ክወሃቦም ተዳልዮም ዘለዉ ካብ 18 ክሳብ 59 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 4 ሚልዮን ዝኣኽሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ንቐዳምነታት ብዝምልከት፡ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስልጣን ተዋሂብወን ከምዘሎ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንቀዳምነታት ክውስና ማለት፡ ኣብ ገለ ምምሕዳራት፡ ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት ምስ ደቂ 59 ዓመት ሰብኡት ኣብ ሓደ እዋን ክታበት ክወሃቦም እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ምምሕዳራት ድማ እቶም ዓበይቲ ቀዳምነት ክወሃቦም ክኽእል ማለት እዩ።

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ዕንቅፋታት ንኸይበዝሖ ብምባል፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ እቲ ስልጣን፡ ነተን ምምሕዳራት ክህብ ከምዝመረጸ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com