Friday , July 12 2024

ምምሕዳር ማልሞ ኣብ መስርሕ ምስትምሃር ብምፍሻሉ ክቕጻዕ ተወሲኑ!!

ምምሕዳር ከተማ ማልም ናይ ምምሃር ጸገም ንዘለዎም ተመሃሮ ኣብ ምሕጋዝ ብምፍሻሉ 300 ሽሕ ክሮነር ክቕጻዕ ተበይንሉ። እቲ ቤትፍርዲ ምምሕዳር ነዚ ዝወሰነ ካብዚ ሽገር ዘለዎ ተመሃራይ ድሕር ዝበጽሖ ተደጋጋሚ ጥርዓናት ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ ተመሃራይ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ጫውጫውታ ዝበዝሖ ከባቢ ክመሃር ድሌት ከም ዘይብሉ እኳ እንተገለጸ ግቡእ መርመራ ከም ዘይተገብረሉ ብምምልካት ድማ’ዩ እቲ መቕጻዕቲ ተበዪንሉ። ምምሕዳር ማልም ናይ ይግባይ ሕቶ ከቕርብ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com