Breaking News
Followers of Shiite cleric Muqtada al-Sadr celebrate holding his posters, after the announcement of the results of the parliamentary elections. (AP Photo/Khalid Mohammed) BKM105

ምርጫ ዒራቕ፥ ብሙቕታዳ ኣልሳድር ዝምራሕ ሰልፊ፡ ተዓዊቱ

መራሒ ሃይማኖት ሺዓ ዝኾነ ሙቕታዳ ኣልሳድር፡ ንሃገራዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ሳዕሩን ወኪሉ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ዒራቕ ምዕዋቱ ተገሊጹ።

ናይ ኣመሪካን ኢራንን ምትእትታው ኣብ ጒዳይ ዒራቕ ከብቅዕ ድሌት ከም ዘለዎ ዝገለጸ ኣልሳድር፡ ካብ ቀጥታዊ ጽልዋ ወጻኢ ሓራ ዝኾነት ዒራቕ ክሃንጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

ብመሰረት ኣፈናዊ ውጽኢት፡ ሳዕሩን ካብ 329 መናብር ባይቶ 73 ክዕወት እንከሎ፡ ልፍንቲ ኣፈኛ ሱኒ፡ መሓመድ ኣልሓሱቡ ተቐዱን፡ ብ 38 መናብር ካልኣይ ደረጃ ሒዙ’ሎ። ደጋፊ ኢራን ዝኾነ ቀጽሪ ፈታሕ ኣብዚ ምርጫ 4 መናብር ጥራይ ብምርካብ ዝተሓተ ደረጃኡ ሒዙ’ሎ።

ሓድሽ መንግስቲ ልፍንቱ ንምምስራት ሰሙናት ዝወስድ ልዝብ ከም ዘድሊ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣልሳድር፡ ንነብሱ ከም ሕጹይ ስለዘየቕረባ ክመርሕ ዘይምዃኑ ተፈሊጡ። ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ መራጾ ዒራቕ፡ 41% ጥራይ ምምራጾም በዚ ውጽኢት ምርጫ እዚዩ ዝበሃል መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ እዩ ዝብል እምነቶም ከም እተባሕጐገ ዘመልክት እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።