Friday , December 1 2023

ምስ ገበነኛታት ጕጅለታት ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ

ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን፡ ብኸቢድ ገበን ዝጥርጠሩን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡን ሽወደናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ሰበስልጣን ምትሕብባሮም ከምዘሐይሉ ገሊጾም። እዚ ምትሕብባራ ካብ ቀረባ እዋ ንኣትሒዙ ኣድማዒ ውጽኢት ይረኣዮ ምህላዉ ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ይገልጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ገበናዊ መርበብ “ፎክስትሮት” ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ሽወደናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ መራሒ እቲ ጕጅለ እዩ ዝበሃል ራዋ ማጂድ ኣበይ ምህላው ዛጊት ንጹር ኣይኰነን ክትብል ዓቃቢ ሕጊ ኣና ሃንኪዮ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ማጂድ ኣብ ቱርክ ኣሎ ተባሂሉ ከም ዝጥርጠር፥ ኣብዚ ወቕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ከም እተራእየ ዝገልጹ ሓበሬታታት ከም ዘለዎም፥ ይዂንምበር ኣብዚ እዋን ብልክዕ ኣበይ ከም ዝርከብ ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ኣና ወሲኻ ገሊጻ። ኣብ ጒጅለ ገበን ፎክስትሮት ኣገዳሲ መዝነት ከም ዝነበሮ ጥርጠር ሓደ ሽወደናዊ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣብ ሰርቢያ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሉ ዝፍለጥ እዩ። ብድሕሪኡ 40 ዝዕድሜኡ ተቐማጣይ ማልም ነበር ኣብ ቱርክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእዋዉ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ካልኦት ኣብ ጒጅለ ገበን ኣገዳኢ ጽልዋ ከም ዘለዎም ዝንገረሎም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com