Sunday , June 16 2024
Danny Fenster works out of his van that he made into a home/office in Detroit.(Fenster Family photo via AP) CER400

ምያንማር …. ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ፡ ን 11 ዓመታት ተፈሪዱ

ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምያንማር፡ ንኣመሪካዊ ጋዜጠኛ፡ ን 11 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እዚ ፌንስተር ዝተባህለ ኣሜሪካዊ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ብምጥሓስ፡ ምስ ዘየድልዮ ኣካላት ሕብረተሰብ ብምርኻብን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር ናዕቢ ክለዓዓል ብምጒስጓስን እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብዚ ሰሙን፡ ተወሰኽቲ ክስታት ምንዕዓብን ግብረሽበራን ከም ዝቐረቡሉ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዞም ክስታት፡ ክሳብ ዕድመ ልክዕ ከፍርዱ ከም ዝኽእሉ ካብ ሃገረ ምያንማር ዝወጹ ጸብጻባት ይገልጹ።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ነዞም ሓደስቲ ክስታት ኣመልኪቱ፡ ኣብ 16 ሕዳር፡ ስርሑ ክጅምር እዩ ተባሂሉ’ሎ።

37 ዓመት ዝዕድሜኡ ፌንስተር፡ ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ኦንላይን እትንበብ መጽሔት Frontier Myanmar እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com