Breaking News
Russia is withdrawing its NATO delegation. (AP Photo/Patrick Semansky, Pool) BEPS142

ሩስያ: ንወኪላ ካብ NATO ስሒባ

ሩስያ ንወኪላ ካብ NATO ከም ዝሰሓበቶ: ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር: ሰርጌይ ላቭሮቭ: ገሊጹ’ሎ። እዚ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን: ኔቶ: ሸሞንተ ኣባላት ሩስያ ኣብ ስለያዊ ስርሓት ተዋፊሮም ብዝብል ክሲ ምስጓጓ ስዒቡ ዝመጸ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብተወሳኺ: ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ኣብያተ ጽሕፈት ኔቶ ተዓጽዮም ኣለዉ። ብመሰረት ላቭሮቭ “ክልተኣዊ ስራሕ ንምስላጥ ዘኽእሉ መሰረታዊ ኲነታት ኣይተማልኡን ኣለዉ ክብል ገሊጹ።

ብሰንኪ NATO ኮነ ኢሉ ዝወሰዶ ስጒምቲ: መባእታዊ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ እነካይደሉ ባይታ ተሳኢኑ’ሎ” ክብል ላቭሮቭ ወሲኹ ገሊጹ።