Breaking News
Police are investigating the accident in Ciboure, near the town of Saint-Jean-de-Luz in France. Three migrants were killed when they were hit by a train. (AP Photo/Bob Edme) CIB103

ሰለስተ ስደተኛታት፡ ብሓደጋ ባቡር ሞይቶም

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ እትርከብ፡ ምስ ስፓኛ እትዳወብ ከተማ ሳን ዠን ደሉዝ (Saint-Jean-de-Luz)፡ ሰለስተ ስደተኛታት ብባቡር ተሃሪሞም ከምዝሞቱን ሓደ ድማ ብኸቢድ ተጎዲኡ ከምዘሎን ካብታ ከተማ ዝተረኽቡ ምንጭታት ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

እቶም በታ ቀዳመይቲ ናይ ሰዓት 3 ወጋሕታ ባቡር ዝተሃርሙ ስደተኛታት፡ ኣብቲ መንገዲ ባቡር ሓዲሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝብል ገምጋም ከምዘለዎም ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚድሕሪ ምግላጾም፡ እታ ባቡር ደው ክትብል ፈቲና እኳ እንተነበረት፡ ካብቲ ሓደጋ ክትድሕን ግን ኣይከኣለትን ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ብምሉኦም እቶም ግዳያት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 21 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣልጀርያውያን ምዃኖምን ኣቐዲሞም ኣብ ሃገረ ስፓኛ ዝነበሩ እዮም ክብል፡ ጂሮም ቦርየር፡ ዝተባህለ መርማሪ ገሊጹ።

ስፓኛ፡ ሓንቲ ካብ ኣፍደገ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝኾነት ሃገር ኮይና፡ ቁጽሪ ናይቶም በዛ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ዓመት፡ ብርኡይ ከምዝወሰኸን ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ዘይሕጋዊ ስደተኛ፡ ካብ ስፓኛ ናብ ፈረንሳ፡ ንፈለግ ቢዳሶዋ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ከምዝሞተ ይዝከር።