ካብቶም ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ መካነ ኣንስሳ “ፍሩቪክ” ዘምለጡ ሓሙሽተ ኣህባይ፡ እቶም ሰለስተ ብጥይት ከም ኣተቐትሉን ሓደ ከኣ ከም እተጎድአን ተገሊጹ። ክልተ ካብዘን ኣህባይ ሊንዳን ቶርስተንን ከም ዝበሃላ፡ እተን ዝሞታ ወይ ቆሲለን ዘለዋ ኸኣ ሳንቲኖን ማንዳን ዝተባህላ ምኳነን ተፈሊጡ’ሎ። ብፍላይ ሳንቲኖ ኣእማን ብምእካብ ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ እቲ ፓርክ ብምስንዳዉ ኣቓልቦ ኣህጒራዊ ሚድያን ተመራመርቲን ምርካቡ ዝፍለጥ እዩ። እዞም ዘምለጡ ኣንስሳታት ብጥይት ምሟቶም ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣዛራቢ ጒዳይ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ጋዜጠኛ ቻነል ጋየልቦሪ ጸብጺባ’ላ።