Friday , July 12 2024

ሰልፊ ሞደራትና፡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብቲ ብኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝመደበሎም ኣባይቲ ንኽቕመጡ ክግደዱ ኣለዎም ይብል።

ንሓተቲ ዑቕባ ከገልግል ተባሂሉ ዝቖመ ግላዊ መንበሪ ዘፍቅድ ሕጊ (EBO) ንኽስረዝ ብሰልፊ ሞደራትና ጠለብ ቀሪቡ ይርከብ። እዚ ሕጊ’ዚ፡ ንሓተቲ ዑቕባ ናይ ውልቆም መንበሪ ንኽመርጹ ዘፍቅድ እዩ። ይኹን እምበር እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝተመደበሎም መንበሪ ክቕመጡ ኣገዳሲ ምዃኑ ዓቃባዊ ሰልፊ የዘኻኽር። እዚ ኣብ ግብሪ ዝሰርሕ ዘሎ ሕጊ፡ ንብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ ኣባይቲ ንኽነብሩ፡ ከም ናይ ቤተሰቦም፡ ኣዝማዶምን የዕርኽቶምን ኣባይቲ ንኽነብሩ መሰል ዝህብ እዩ ይብል።

ስታቲካዊ ሓበሬታ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ከምዝሕብሮ፡ ፍርቂ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዝነብርሉ ኣባይቲ ባዕሎም ከም ዝመርጽዎ ይሕብር። እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሕጊ (EBO) ንኽስረዝ፡ ነቶም ሰሪሖም ኣታዊ ዝገብሩ ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ ዝምልከት ክኸውንን እቶም ኣታዊ ዘይብሎም ግን ኣብቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዝተመደበሎም መንበሪ ንኽነብሩ ሰልፊ ሞደራትና ጸዊዑ። ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ፡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ንክውዝዑ ዘኽእል ሕጊ ከም እንደገና ዳግመ ግምት ክግበረሉ ዓቃባዊ ሰልፊ ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com