Friday , July 12 2024

ሰልፊ ሶሻል ደሞክራት ኣዝዩ ፍቱው ሰልፊ ኰይኑ ዳግም ምቕልቃሉ ይንገር ኣሎ።

ዳህሳስ Demoskop፡ ብብዝሒ ሰዓብቲ ሶሻል ዲሞክራትስ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ ትካል Aftonbladet / Demoskop ካብ ጥሪ 25 ክሳብ የካቲት 5 ዘሎ ግዜ ንብዝሒ ሰዓብቲ ሰልፍታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበሮ ዳህሳስ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኸሰሮ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ቦትኡ ከምዝመለሶ ሓቢሩ። ብዝሒ ሰዓብቲ ናይዚ ሰልፊ ብገምጋም ናይ 1.3% ብምውሳኽ ናብ 24.7% ክብ ኢሉ ይርከብ። ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ብዝሒ ሰዓብቱ ብ 1% ብምጉዳሉ ብ 23.5% ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ብዝሒ ድምጺ ሰዓብቱ ካብ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝመለሰ ዓቃባዊ ሰልፊ ብ0.7% ብምውሳኽ ብ18.9% ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ። ጸጋማዊ ሰልፊ ሽወደን ቅሩብ ወሰኽ ብምግባር ድማ ብ 9.3% ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ሰልፊ ሞደራትና ድማ ብ 8.9 % ሓምሻይ። ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ድማ ብ 6.3% ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ይርከብ። ብመሰረት ሕጊ፡ ትሕቲ 4% ዘምጸኣ ሰልፍታት ኣባላት ፓርላማ ክኾና ኣይክእላን እየን።

ሎሚ መዓልቲ ምርጫ እንተዝካየድ ነይሩ፡ ብመሰረት ዘመዝገበኦ ድምጺ፡ ሊበራላዊ ሰልፍን ሰልፊ ኣከባብን ኣብ ፓርላማ ሽወደን ኣይምኣተዋን። ብመሰረት ትካል Aftonbladet / Demoskop ዘውጸኦ ዳህሳስ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ቅየሳ ህዝባዊ ርእይቶ ዝለዓለ ኢድ ክረኽቡ ዝኸኣሉ። እዚ ውጽኢት ንሓላፊ መንግስቲ ዝኾነ ስተፋን ሎቪን፡ ዓቢ ሞራላውን ስማውን ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ ክብል ሓላፊ ትንታነ Demoskop ፡ ፒተር ሳንቲሶን ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰልፉን ኣብ መንጎ ሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዘሎ ፍልሊ ጸቢብ ብምዃኑ እቲ ዝነበረ ጸገማት ተሰጊሩ ኢልካ ክትዛረብ ከምዘይከኣል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብዚ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ እቲ ብንጹር ዝረአ ዘሎ ነገር እዚ ብወገን ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ንሽወደናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሂብዎ ዝነበረ ድምጽታት ምምላሱ ጥራይ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com